Wednesday, 27 March 2013

ምኩራብ

ምኩራብ ዝብል ቃል ትርጉሙ ቤተ ጸሎት ማለት እዩ። እስራኤላውያን ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ኣብ ምኩራብ ኮይኖም ንእግዚአብሔር ሥርዓተ ኣምልኮ ምፍጻም ዝተለማመድሉ እዋን ከምዝነበረ ካብ ኣመጻጽኣ ቤተ ጸሎት ክንርዳእ ይከኣል። ናብከደነጾር ቤተ መቅደስ ኣፍሪሱ ንኣይሁድ ናብ ባቢሎን ማሪኹ ምስወሰዶም ኣብቲ ዘዝነበሩሉ ስፍራ ንጸሎትን ሕገ ኦሪት መምሃሪ ዝኸውን ፍሉይ ስፍራ ምስራሕ ከምዝጀመሩ ይንገር። እስራኤላውያን  መቅደስን ምኩራብን ዝተባህላ ክልተ መራኸቢ ነይርዎም። 
 መቕደስ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ጥራሕ ዝርከብ ኮይኑ ምእንቲ ሕድገት ኃጢኣትን ስለቲ ዝተገብረሎም ናይ ምስጋና  መስዋእቲ ዝቀርበሉ ናይ ብሉይ ኪዳን ማእከል ነበረ።

  v ምኩራብግን ድሕሪ ካብ ምርኮ ባቢሎን ምምላሶም ማለት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ 500 ዓመት ኣቐዲሙ ዝተጀመረ መአከቢ ስፍራ እዩ። ኣብ ምኩራብ ዝግበር መንፈሳዊ ኣገልግሎት፤ ቃሉ ዝንበበሉ፤ ዝትርጓሜ፤ ዝስማዓሉ እዩ። ምኩራብ ብቦታ ዘይውሰን ኣብ ዝተፈላለዩ ጎደናታት ወይውን ስፍራ ዝርከብ ቤተ ጸሎት እዩ። ዝኾነ እስራኤላዊ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ቤተ መቕደስ ተረኺቡ ኣምልኾ ክፍጽም ግዴታ ነይርዎ። ኣብ ምኩራብ ግን መዓልታዊ ተረኺቦም ቅዱሳት መጻሕፍቲ የንብቡን ትርጉሙ ይሰምዑን ነበሩ።(ሕዝ 11፡16፣ግ.ሓዋ 15፡21 )። ጎይታ ውን ኣብ ዘመነ ሥጋዌኡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምኩራብ እንዳተዘዋወረ ይምህር ነበረ። ( ማቴ 4፡23፣ ሉቃ 4፡14-23)
ኣብ ዓቢይ ጾም ዘለዋ ሰናብቲ ነናተን መጸውዒ ዝተዋህበንን ርእሱ ዝኸኣለ ሰፊሕ ትርጉም ዘለወን እየን። ካብአን እታ ሓንቲ ድማ ምኩራብ ብዝብል መጽውዒ ዝተሰምየት እያ። እዚ ድማ ቅዱስ ያሬድ ጎይታ ኣብ ምኩራበ ኣይሁድ ተረኺ ከምዝመሃረ ንምግላጽ ነታ ሰንበት ምኩራብ ክብል ካብ ዝሰመያ መጸውዒ ዝተወስደ እዩ። 

ጾምን መንፈሳዊ ልምምዳቱን

ጾምን መንፈሳዊ ልምምዳቱን
ጾም ማለት ምኽልካል ምግዳፍ ማለት ኮይኑ ልዕሊ ኩሉ ግን ርእስኻ ምግታእ ወይ ዉን ምግዛእ ማለት እዩ። ጾም እግዚአብሔር ንወዲ ሰብ ኣቐዲሙ ዝሃቦ ናይ መጀመርታ ትእዛዝ እዩ፤ ኣብ ማእከል ገነት ካብ ዘለዉ ኣእዋም ዝነበረት ፍረ ንኸይበልዕ ክእዝዞ ከሎ ከምዚ ክብል ነገሮ « ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ኩፉኡን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካላ ማዓልቲ ብርግጽ ክትመዉት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ » ዘፍ ፪፡፯ በሎ። ስለዚ ቀዳማዊ ሰብ ኣዳም ብሰይጣን ተፈቲኑ  ክሳብ ዝወድቕ ርእሱ ገዚኡ ዝነብር  ቡቑዕ ሰብ መልክዕን ምስልን ፈጣሪኡ ዘየጥፈአ ሰብኣይ ነበረ። ዘፍ ፫፡፮።